እቲ ስራሕ “ኣስተንትኖ” ይበሃል፡ እንርእዮ ዘለና ድማ ኣብ ከውሒ ዝርከብ ሓደ ርእሲ እዩ፡ እቲ ገጽን እቲ ናይ ድሕሪት ክፋል ናይ’ቲ ርእሲን ጥራይ እዮም ክርኣዩ ዚክኣሉ፡ እተን ኣዒንቲ ድማ ተኸዲነን እየን። እቲ ናይ እምኒ ከውሒ 900 ሚልዮን እዩ ዝዕድሚኡ፡ ጸሊም እምኒ ቦሃስ እዩ። እቲ ናይ ድሕሪት ክፋል ናይ’ቲ ርእሲ ሃላንዲኣ ግነስ እዩ፡ ቀይሕ፡ ጸሊምን ጻዕዳን ዘለዎ እንዳተንከባለለ ዝንቀሳቀስ ውሽጣዊ ዲዘኞ ድማ ኣለዎ።

ኣስተንትኖ ማለት ኣቕልቦ፡ ዝንቀሳቐስ ሓሳባትን ህድኣትን ማለት እዩ። እቲ ኣገባብ፡ ወላኳ ዝተፈላለየ ኣስማትን ምልክታዊ ቋንቋታት ይሃልዎ፡ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝተፈላለየ ባህልታትን ሃይማኖታትን ኣሎ። ዘላቒ ዝኾነ ጥዕና ንኽህልው፡ ኣብ ሞንጎ ምንቅስቃስን ህድኣትን፡ ኣብ ሞንጎ ምስታፍን ዘይምስታፍን፡ ምቅይያራት ምግባር የድሊ። ኣብ ምስ ጭንቀት ዝተኣሳሰር ሽግራት ኣስተንትኖ ጽቡቅ ውጺኢት ከምዘለዎ ብግብሪ ኣመስኪሩ እዩ።

ኣነ ንጥበብ ከም ሓደ ናይ ስምዒታት ስነ-ማሕድሮ እየ ዝርእዮ። ናይ’ቲ ወዲ ኣዳም መኸተ፡ እቲ ምሉእ ዘይኮነ፡ ማለት እቲ ናይ ስራሕ ዝሕታለ መግለጺ ሓሳባት ንኽህልው ይፈቅድ። እቲ ናይ ኢድን ናይ ስሚዒትን ስራሕ፡ ከምኡ’ውን እቶም ናይ ውልቃዊ መግለጺ ዕድላት፡ መዘና ዘይብሎም እዮም፡ ኣብ ህይወት ወዲሰብ ድማ ኣገደስቲ እዮም። ከም ወዲ ሰብ ድማ፡ ከም ሓደ ኢደ-ጥበበኛ ድዩ ወላ ከም ሓደ ተዓዛቢ፡ ብዝተፈላለዩ ኣጠማምታት ብጥበብ ኣቢልካ፡ ነዛ ዓለምን ንነብስኻን ክትፈልጥ ምኽኣል እውን ኣገዳሲ እዩ።

ኣብቲ ናይ ገጠር ሂወተይ ምስ ኣብ ቀረባይ ዝርከብ ፍርቁ ናይ መሮር ዝኾነ ስፍራ ኣታኽልቲ፡ እቲ ዘለኣለማዊ ዑደት ህይወትን ሞትን ብቐረባ ይርእዮ እየ። መብዛሕትኡ ግዜ ካብቲ ኣብ ጥቓይ ዝምኮሮን ዝርእዮን ስለ ዝብገስ ኣብ ናተይ ስነ-ጥበብ እቲ ከቢብ ቅርጺ ብተደጋገሚ ዝመጽእ እዩ። ንዓይ ምንጽጻር የገድሰኒ እዩ። ነቲ ከቢድ ከም ዝልዓል ምግባር፡ብሚዛን ምጽዋትን ነቲ ንእሽተይ ነገር ናብ ናብ ኣዚዩ ዓብዪ ዓቐን ምንፍሑን፡ ነቲ ሓርፋፍ ቀጸላ ናይ እምኒ ናብ ልስሉስ ዝባን ምውልዋሉን።

እምኒ ምስቲ ርምሰሳዊን ኣወናዋኒን ባህርያቱ ኣብ ልበይ ፍሉይ ቦታ እዩ ዘለዎ። ይኹን እምበር ኣብ መብዛሕትኦም ስነ ጥበብ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ስነ ቅርጻን ህዝባዊ ንድፍን ይሰርሕን፡ ይስእልን ይቐብእን እውን እየ።

 

ናይ እዚ ቅርጻ ሓሳባት እንታይ እዩ?

ሓሳባት ሕብሪ ክህልዎ ይኽእል’ዶ? ኣብዛ እዋን እዚኣ ናትካ ሓሳባት እንታይ ሕብሪ ኣሎዎም?

ሓሳባት መስመራት ክሰርዑ ይኽእሉ’ዶ? እቶም መስመራት ሓደ ኵትሞ ይፈጥሩ’ዶ?