”ሊንዳ”
እታ ”ሊንዳ” ትብል ናተይ ቅርጻ፡ ብመንጽር እቶም ዘይልወጡ ኩነታት ኣየርን ንፋስን፡
ዘላቕነት ኣይተንጸባርቕን ትኸውን።
ዝያዳ ናይ ተነቃፊ ዝኾነ ባህሪ ሰብ ትገልጽ ቅርጻ እያ።

ንዓይ ህያውን ዘላቒን ዝኾነ ነገር እንተሃልዩ እቲ ኣብ ውሽጥና
ዘሎ ባህሪ ሰብ (ሰብኣውነት) እዩ። እዚ እዩ ድማ ሕብረተሰብና ዝያዳ ከማዕብሎ ዘለዎ።
ኣብ ከባቢና ኩሉ፡ ዓርሞሽሽ ጋጋት ክፍጠሩ ንርኢ ኣለና፡ ኣቐዲሞም ዝተገብሩ ስምምዓት ክበታተኑ ንርኢ ኣለና፡
ደቂሰባት (ካልኦት ዝረብሕሉ) ክሃልኩ ንርኢ ኣለና፡ ክሳብ ከምዚ ዝኣክል ደረጃ፡ ማለት ንሕና ልክዕ ከም ኣብ ሓደ ጸዋታ ዝርከቡ ሮቦታት ኬንና፡
እቶም ፊናንሳዊ ሓይሊ ዘለዎም ድማ ብኣና ይጻወቱ ከምዘለዉ ማለት እዩ።
እቲ ሰብኣዊ ፍጡር ናይ ምዃን መሰል

ኣነ፡ ኣብ መጀመርያ 1970ታት ኣብ ስቶኮሎም ዝርከብ ናይ ስነ-ጥበብ፡ ንድፊን ዲዘኞን ዮኒቨርሲቲ፡ ስነ-ቅርጻ ኣጽኒዐ።
ብድሕርዚ ናተይ ናይ ገዛእርእሰይ መግለጺ ቅርጺን ከምኡ’ውን ናይ ገዛእርእሰይ ንዋትን ንኽረክብ ዓመታት ወሲዱለይ።
ብሓደ ወገን፡ እቲ ኣነ ክሰርሓሉ ዝደልዮ ንዋት ዕንጨይቲ ምዃኑ ምስ ተዓዘብኩ፡
እንደገና ከም ብሓዲሽ ጀሚረ።

ዕንጨይቲ ንኽትሰርሓሉ፡ ንምጽራብን ንምቑራጽን፡ ሓደ ምቹውን ገላጺን ዝኾነ ንዋት እዩ።
እቲ ድሩትነትን ተኽእሎታትን ናይ’ቲ ንዋት ነቲ መስርሕ ቅርጺ ንምሃብ ይጠቅም።
ሓደ ቀዋሚ ዝኾነ ብድሆ ድማ ይገብሮ።
ኣነ፡ ነቶም ቅርጻታተይ ይቀብኦም እየ። እቲ መግለጺ ንዓይ ኣገዳሲ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ
እቲ ኣተኩሮ ኣብ ተፈጥሮ ሰብ (ሰብኣውነት) እዩ።
እንተድኣ ዕንጨይቲ ብቀዋሚ ንናይ ግዳም ቅርጻታት ዘየድሃበ ኬይኑ፡ ሓደ ናይ ሓጺር እዋን
ንዋት’ዩ እዩ። በቶም ክልተ ናይ ሓዋሩ ዝኾኑን ብጣዕሚ ጽቡቓትን፡ እምኒን ብሮንዞን (ነሓስ)፡
እውን ሰሪሐ እየ።

www.aasaholmlund.se