“እታ ንእሽቶ ሓርማዝ”

ሓድነትን ፍቕሪን ዘላቕነት ይፈጥሩ።
እታ ሓርማዝ፡ ንንግስነት ትበቅዕን ኣዝያ ኣረጊት ዝኾነት እንሳሳን፡
ምስ ደቀንስትዮ ኣዝማዳ ብመጓሰ (ዕስለ) ትነብርን።
እቲ መጓሰ በታ ዝዓበየት ኣባል እዩ ዝምራሕ፡
እታ መራሒት እኖ። እቲ ማሕበራዊ ምትእስሳር
ብጣዕሚ ድልዱል እዩ። ሓራምዝ ሓጎስን ሓዘንን
ይስምዖም እዩ፡ ኣብ ጉጅለኦም ድማ ነቲ ዝተጎድአ ክሕግዙ ይፍትኑ፡
ኣብ ጎድኒ እቲ ዝፈትውዎ ዝተጎድአ ብጻይ ደው ብምባል ንመዓልታት ብሓዘን ከሕልፉ ይኽእሉ፡
ኣብ መወዳእታ ድማ ብጨናፍር ዕንጨይቲን ቆጽሊን ብምሽፋን
ይቐብርዎ። ንገለ ቁርብ ግዜ ተፈላልዮም ዝጸንሑ ሓራምዝ
ዳግም ኣብ ዝራኸብሉ እዋን፡ ብኣፍንጭኦም (ንጎት) ብምድርራዝን
ናይ ሓጎስ ጥሩምባ ብምውጫጭን ነቲ ደስታኦም ይገልጽዎ።

ናይ ኤከበርግ እምነ በረድ
120 ሴሜ ብራኸ

ነንሕድሕድና ብኸመይ መገዲ ንከባኸብ?
ኣብ ዝምድናታት ዘላቕነት እንታይ እዩ?
ንሕና እንታይ ንደሊ?

ናተይ ማተርያላት፡ እምነ በረድ፡ ጊዛ ብሮንዞ፡
ሓጺን ናይ ሸኽላ ወይ ስምዒ መውጽእ ቕርጺ፡ ዝኣመሰሉ እዮም። እቶም ቀንዲ ትሕዝቶታት መብዛሕትኡ ግዜ ን
ተዘክሮታትን፡ ንገለ ኣሰራት
ካብ ናይ ቁልዕነት ጸወታታትን ዘነቓቕሑ እዮም።
እታ ናተይ “ንእሽቶ ሓርማዝ”
ካብ ኢክበርግ እምነ በረድ ዝተሰርሐት ንመጻወቲ እትኸውን ስነ-ቅርጻ እያ።
ክትውጣሓን ከምኡ’ውን በቲ ኣፍንጫኣ (ንጎት) ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ሸተት ክትብለላን ትኽእል።