“ኣከብቲ ሓይሊ” እዚ ክፋል ናይቲ ተኸታታሊ ክፋላት ስርሓት ስነ ቅርጻታት ከመይ ኢሉ ንናይ መሬት ጽዓታት ከም ዝጸሉን ንገዛእ ርእሱ ድማ ብናይ መሬት ጽዓት ከም ዝጸልዉን ዝምርምር እዩ። ጥንታውያን ስራሓት ከም ናይ ስራሕ መራኽብን ዓንኬላት እምንን ምስ ናይ መሬት ጽዓት ብሓባር ከም ዝሰርሑ ምስ ፈለጥኩ፡ ስራሓተይ ተመሳሳሊ ሳዕቤን ይህልዎምዶ ይኸውን ብምባል ክምርምር ጀሚረ። እዚ ስነ ቅርጻ ኣእማን/ ኣከብቲ ሓይሊ ከመይ ኢሎም ምስ ናይ መሬት ጽዓታት ከም ዝዋስኡ ዝምርምር ሓደ ክፋል ናይ መጽናዕቲ ፕሮጀችት እዩ።

ጽዓታት መሬት ንደቅሰባት ይጸሉ ከምኡ’ውን ጽዓት ምፍራይና ንመሬት ይጸልዋ እዩ። ንመጻኢ ዘላቒ መፍረ ጽዓትናይ ግድን ክንፈጥር ክንክእል ኣሎና። ኣነ ንገዛእ ርእሰይ፡ ኣብ ጽሓያዊ ምዓልቲ፡ 27 ‘ኪሎ ዋት’ ዘፍሪ ኣስታት 200 ትርብዒት ሜትሮ ናይ ጽሓያዊ ጽዓት ፓነላት ኣሎኒ።

ኣነ ኮርኳሪ፣ ፈተነ ዝገብር፡ ንምሃዝነት ከም ሓደ ኣዝዩ ኣገዳሲ ብቕዓታተይ ዝወስዶ ስነ ጥበባዊ እየ። ኣብ ብዙሕን ነንበይኑ ዝኾነ ክህሎትን ንዋትን ካብ ደቀቕቲ ንኣሽቱ ስነ ቅርጻታት ክሳብ ዓበይቲ ደርማስ ስራሓት ክሰርሕ እፈቱ እየ። ሕብሪ እለኪ፣ እምኒ እጸርብ፣ ኤግዚብሽናት የሓድስ፡ ኣብ ርእሲ እዚ ኣብ ኣህጉራውያን ዓውደ መጽናዕቲታትን፡ ወርሻታትን እሳተፍ።

ከመይ ኢልና ኢና ብጽዓት መሬት እንጽሎን ንሕና ‘ውን ክንጸልዎም ንኽእል’ዶ?